BBC News, ትግርኛ - መእተዊ ገጽ
ዜናታት
ትግራይ፡ 'ዶ/ር ደብረፅዮን ኣኼባ መሪሕነት ህወሓት ረጊፁ ወፂኡ' - ሓቂ ድዩ?
ኣብቲ ኣኼባ፡ ኣብ ላዕለዋይ መሪሕነት እቲ ውድብ ሰፋሕቲ ኣፈላላያት ከምዘለዉን፡ ኣቦ መንበር እቲ ውድብ ብሰንኪ ዝቐረቦ ነቐፌታ፡ ኣኼባ ረጊፁ ወፂኡ ዝብሉ ዘረባታት ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክንዛሕ ቀንዩ። እንተዀነ እቲ ኣብ ቀዳመ ሰናብቲ ዝወፅአ መግለፂ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ዝበሎ ነገር ኣይነበረን።
ንኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓተትቲ ዕቝባ ዝእግድ መምርሒ ኬንያ ደው ኢሉ፡ ኡጓንዳኸ?
ላዕላዋይ ቤትፍርዲ ኬንያ፡ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝመጽኡ ሓተትቲ ዕቝባ ስደተኛታት ኣገልግሎት ምዝገባ ደው ንዘብል መምርሒ ካብ ምትግባር ዓጊቱዎ። ዳኛ፡ እቲ ንምዝገባ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ስደተኛታት ዝድርት ፖሊሲ፡ ንቕዋም ሃገረ ኬንያን ኣህጉራዊ ሕጊ ስደተኛታትን ናይ ምጥሓስ ሓደጋ ከም ዘስዕብ ብምግላጽ እዩ ንግዜኡ ደው ክብል ወሲኑ።
ዓድዋ ክሳብ ኪጋሊ - ዕዉት ጕዕዞ ትምህርቲ ኣደነትን ሞያን ዶክተር ሄለን ይፍጠር
ዶክተር ሄለን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ርዋንዳ፡ ናይ ኢንዶክሪኖሎጂ፡ ሜታቦሊዝም፡ ናይ ሽኮር፡ ሆርሞን ጸገም ሳብስፔሻላይዜሽን ዳይሬክተር እያ።
ወተሃደራት ጊኒ ቢሳው፡ ንፕረዚደንት ኣሲሮም ስልጣን ተቘጻጺሮም
ኣብ መንጐ ሰኔጋልን ጊኒን እትርከብ ንዕልዋ መንግስቲ እትቃላዕ ሃገር፡ ኣብ 1974 ካብ ፖርቱጋል ናጽነት ካብ እትረክብ ጀሚራ ወተሃደራዊ ሓይሊ ጽልዋ ዘለዎ ዕሉል ማእከል ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸፋርስ ተባሂላ እያ ትፍለጥ።
ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ምስ ብርሃኑ ጁላ ዘካየዶ ዝርርብ እንታይ'ዩ?
ሰራዊት ኢትዮጵያ ትማሊ ኣብ ዘውጽኦ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ "ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ኣብ ስልጣና ትምህርቲን ምልውዋጥ ልምድን ምስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ክልተኣዊ ልዝብ" ከምዘካየዱ ሓቢሩ ነይሩ። ልኡኽ ሓይሊ ባሕሪ ኢጣልያ ምስ ኣዛዚ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ምክትል ኣድሚራል ክንዱ ገዙ ከምዝተራኸበ'ውን እቲ ሓበሬታ የመልክት።
ካብ ግዳም ሓደር ናብ ብደረጃ ዓለም እትፍለጥ ሊቅ ስነፍልጠት ዝበጽሐት ጓለንስተይቲ
ኣብ 1990 ፕሮፌሰር ዳም ኢጀዮማ ኡቸግቡ ካብ ናይጀርያ ምስ ሰለስተ ኣዋልድ ደቃ - ሓንቲ ካብአን ናጽላ ህጻን - ሓንቲ ሻንጣን ኣዝዩ ውሑድ ገንዘብን ሒዛ ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ለንደን ተራእየት። ሓድሽ ህይወት ክትፍለም ናብታ ቅድሚ 30 ዓመት ዝተወለደትላ'ሞ ዓመታት ዝሓደገታ ከተማ ዳይግማይ ተመልሰት።
ንእማመ ሰላም ሱዳን ዝደፍኣሉ ዘሎ ልኡኽ ትራምፕ፡ ናይ ዝዀነ ጸግዒ ከም ዘይሓዙ ገሊጹ
ላዕለዋይ ልኡኽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሪቃ፡ ማሳድ ቡሎስ፡ ኣመሪካ ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምቁራጽ ዘቕረበቶ ዳሕረዋይ እማመ "ወገናዊ'ዩ" ንዝብል ነቐፌታ ነጺግዎ። ኣሜሪካ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ግብጽን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ መንጎ እቶም ንልዕሊ ክልተ ዓመት ኣብ ርሱን ኲናት ተጸሚዶም ዘለዉ ሰራዊት ሱዳንን ሰራዊት ዳዕመ ሰሪዕን ከሸማግላ ይፍትና ምህላወን ይፍለጥ።
እሳተ-ጎመራ ክልል ዓፋር፡ ድሕሪ 12,000 ዓመታት ዝተፍኦ ሓመዅሽቲ ኣህጉርን ውቅያኖስን ይሳገር
እቲ ብሰንበት ኣብ ክልል ዓፋር - እምባ ሃይሊ ጉቢ ዘጋጠመ ፍንጀራ እሳተ ጎመራ ዝፈጠሮ ትክን ደሮናን ንሰማይ ክሳብ 14 ኪሎሜተር ከምዝሃገገን እቲ ደሮናን ትክን ክሳብ የመንን ዖማንን ከምዝበጽሐ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ሬሳኣ ክቃጸል ኣብ ምድላው ዝነበረት ሰብ ብህወይታ ጸኒሓ ተባሂሉ
ሞይታ ተባሂሉ ሬሳኣ ንምቅጻል (ክረሜሽን) እናተዳለወ እንከሎ፡ ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ኮይና ብምዂኳሓ ብህይት ከምዘላ ተፈሊጡ። እቲ ኣብ ታይላንድ ዘጋጠመ ፍጻመ፡ እታ ህይወታ ሓሊፉ ዝተባህለት ሰብ፡ ሬሳኣ ኣብ ሳንዱቕ ኣትዩ ናብቲ ዝቃጸለሉ ቤተመቕደስ እምነት ቡድሂዝም ተወሲዱ።
ኤርትራ፡ 'ማእሰርቲ መራሕቲ ሃይማኖት ብሸኽ ሻዕባን ኣይተጀመረን' - ደሃዮምከ?
ኣብ መፋርቕ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ኣብ ከተማ ጊንዳዕ እትርከብ ፍልጥቲ ማእከል 'ሕፍዚ ቍርኣን' ሃንደበት ድሕሪ ምዕጻዋ፡ ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ኣካያድን ሸኽን እታ ቤት ትምህርቲ ዝነበሩ ሸኽ ኣድም ጃብር ሻዕባን ተኣሲሮም ክሳብ ሕጂ ሃለዋቶም ይዅን ኵነታቶም ከምዘይፍለጥ፡ መቕርቦም ይገልጹ።
ኤርትራ፡ ገማግም ባሕራን ልኡላዊ መሰላታን ዘይግሃስ ምዃኑ ኣፍሊጣ
ኢትዮጵያ ቀጥታዊ ተበጻሕነት ቀይሕ ባሕሪ ንኽህልዋ ደጋጊማን ብዝተፈላለየ ተዅታዂ መግለጺታትን ትረኻታትን ትገብሮ ንዘላ ፈተነታት ብምንጻግ፡ ነቲ ነዊሕ ዝጸንሐ ህርፋን ምስፍሕፋሕ ብሓድሽ ዲፕሎማስያዊ ትረኻ ንምብርባሩ ትፍትን ኣላ ክትብል ኣስመራ ከሲሳ።
ብዛዕባ ሰሜን እዚ ዝተዛረቦ ሓዊሱ፡ ሓድስቲ ክስታት ዝቐረቦ ታየ ደንዳኣ
ምኒስተር ዲኤታ ሰላምን ኣባል ቤት ምኽሪ ክልል ኦሮምያን ነበር ታየ ደንደኣ ብሰለስተ ሓደስቲ ክስታት ተኸሲሱ።
ኢንተርነት ዳታ ብምዕቃብ ትሕዝቶታት ቢቢሲ ትግርኛ ብቐሊሉ ኣንብቡ።
ዳታ ንምዕቃብ ነቲ መርበብ ሓበሬታ ብጽሑፍ ጥራይ ኣንብቡ።
ከይሓልፈኩም
ኢትዮጵያ ንናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዝሃበቶ ኣፍልጦ ክትስሕቦ ትኽእል ድያ፣ ሳዕቤኑኸ?
ምእዋጅ ናጽነት ኤርትራ መዓስን ብኸመይን'ዩ ተፈጺሙ? ኣዲስ ኣበባ መዓስን ብኸመይን እያ ንሃገርነት፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ኣፍልጦ ሂባ? ክትስርዞ ወይ ክትስሕቦኸ ትኽእል ድያ? ሳዕቤኑ እንታይ ክኸውን ይኽእል? ዓለምለኻዊ ሕጊታትን ውዕላትን፡ ከምኡ'ውን ክኢላታት ዓለማዊ ዝምድናታትከ እንታይ ይብሉ?
ድምጺ, ቢቢሲ ትግርኛ ዜና / ዜና፡ ካብ ቢቢሲ ትግርኛ
21:09 EAT - 21:24 EAT
ህዝባዊ ግንባር ንደሞክራስን ፍትሕን ካበይ ናበይ፡ ሃለዋቱኸ ኣብ ምንታይ ይርከብ?
ሃለዋት ህግደፍ ግን ኣብዚ እዋን'ዚ እንታይ ይመስል? ነቲ 'ደሞክራስን ፍትሕን' ዘጠቓልል ስሙ በቒዕዎዶ? መፈጠርን ዛንታን ናይቲ ኣብ ውሽጡ ዝዓበየ ምስጢራዊ 'ሰልፊ' እንታይ'ዩ? ነዚኦምን ካልኦት ተመሳሰልቲ ሕቶታት ናይቲ ውድብ ንምምላስ ንሓፈሻዊ ጕዕዞኡ ዳህሲስናዮ ኣለና።
ኤርትራ፡ ምስ ኵሉ ጸጋታታ ስለምንታይ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዘይገሹዋ?
ኤርትራ፡ ካብ ድቃሳ ምስተበራበረት ንጸጋታት ክትሰርሓሉ እንተጀሚራ መስሕብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከውን ዓቢይ ተኽእሎን ዕቝር ጸጋታትን ከምዘለዋን ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ ሕጂ ግን ብድኽመት ምሕደራ ዝተዳህከት፡ ኣዝያ ዕጽውቲ ሃገር እያ።
ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ብዘይቅዋምን ምርጫን ንልዕሊ 34 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝርከብ መራሒ
ኣብ 1993፡ ኤርትራውያን መሰል ርእሰ-ውሳነኦም ብረፈረንዱም ምስ ኣረጋጋጹ፡ ኢሳይያስ ንፈለማ እዋን ከም መራሒ ኤርትራ ኣብ ኣህጉራዊ መድረኻት ተራእየ። ኣብ ዋዕለ መራሕቲ ኣፍሪቃ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝተሳተፈሉ፡ ነቶም ኣብ ስልጣን ዝጸንሑ ወለዶ መራሕቲ ኣፍሪቃ፡ "ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስልጣን ክዅየጡ ዝደልዩ፡" ክብል ዘሊፉዎም።
መንግስቲ ኤርትራ ምስ ኢጣልያ ዝኸተሞ ውዕል፡ ንወፍሪ ተዳልዩ ከም ዘሎ ዘርኢ ድዩ?
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሓባራዊ ምትሕግጋዝን ወፍርን ዘተዀረ ውዕላት ክፍርም ጸኒሑ እዩ። እዞም ውዑላት እዚኦም ኣብ ተግባር ይውዕሉዶ? እዚ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ዝተረኽበሉ ምስ ኢጣልያ ዝተገብረ ዳሕረዋይ ውዕል ተግባራዊ ክኸውንከ ጥጡሕ ባይቶ ኣሎ ድዩ? ብዙሓት ዝሓቱዎ ሕቶ እዩ። ኢጣልያ ናብ ኣፍሪቃ ትጥምተሉ ዘላ ምኽንያትከ እንታይ እዩ?
ኤርትራ ብኸመይ ካብዚ ዘይብተኽ ዓንኬል ኲናትን 'መዋእል ክሳራን' ክትገላገል ትኽእል?
እቲ ዝበዝሕ ኣፍራዪ ዓቕሚ ሰብ እታ ሃገር፡ ካልኣይ ደረጃ ይዅን ዩኒቨርሲቲ ዝወድአ ከይተረፈ፡ ኣብ ሰራዊት ከቲቱ ብዘይኣድማዕነት ዝጸንሐ'ዩ። በዚ ድማ እቲ እንኮ መዋጽኦ መንእሰያት ኤርትራ፡ ስደት ኰይኑ ጸኒሑን ኣሎን። ብሰንኪ ብሕታዊ ወፍሪ ዘየተባብዕ ፖሊሲ መንግስቲ ድማ ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ክኣትዉስ ይትረፍ እቶም ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንኣሽቱን ማእከሎትን ንግዳዊ ትካላት ብምምስራት ክንቀሳቐሱ ጀሚሮም ዝነበሩ ብዙሓት ሰብ ጸጋ ዜጋታት'ውን ግዳይ ናይቲ ኵነታት ኰይኖም ምስ ገንዘቦም ናብ ስደት ውሒዞም'ዮም።
ኤርትራ፡ ጽምዶ ጽቡቕ እዩ - ግን መን ምስ መን፡ ንምንታይ ዕላማኸ?
እቲ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኤርትራን ህወሓትን ክግበር ዝዕደም ዘሎ ጽምዶ ግን ብምንታይ ዝተደረኸ እዩ? እቶም ኣብ ኵናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ 2020 – 2022 ሓድሕድ ዝተዳመዩ፡ ሕዱር ቅርሕንቲ ዝነበሮም ሓይልታት ስለምንታይ ኣብዚ ግዜ'ዚ ክላፈኑን ክጻመዱን ደልዮም?
ትግራይ፡ ክሳብ መዓስ እያ ዓውደ-ኲናት ኰይና ክትነብር?
ብሰንኪ'ቶም ካብ ቅድሚ 100 ዓመታት ኣትሒዞም ዝተኻየዱ ተኸታተልቲ ውግኣት ኣእላፍ ሰባት ሃሊቘም፡ ንብረትን ጥሪትን በሪሱ፡ ኣግራብን ዘራእትን ጣሕሲሱ፡ እንስሳ ዘ-ገዳም እውን ፈሊሰን። እንተዀነ፡ ሎሚ እውን ካልእ ህልቂት ከስዕብ ዝኽእል ደበና ኲናት የንጸላሉ ኣሎ።
ኤርትራ፡ ታሪኽ ኣንጻር መንግስቲ ዝተኻየዱ ውሽጣዊ ተቓውሞታት
ገለ ካብኡ ብኣድማ ተጋደልቲ ዝፍለጥ፡ ተቓውሞ 20 ግንቦት 1993፣ ተቓውሞ ስንኩላን ኲናት - ሓምለ 1994፡ ሕቶ ለውጢ ጕጅለ 15 ኣብ - ነሓሰ 2001፡ ሕቶ ለውጢ ወዲ ዓሊን ብጾቱን - 21 ጥሪ 2013፡ ተቓውሞ ኣንጻር ምህጋር ቤት ትምህርቲ ኣልድያእ - ጥቅምቲ 2017 እናተባህለ ክግለጽ ይከኣል።
ኤርትራ፡ ካብ ሓርነታዊ ገስጋስ ናብ ምልካዊ ትኻስ
እቲ ህዝቢ፡ ዘይጽወር ጸይሩ፡ መሪር ስቓይ ተጻዊሩ፡ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነት፡ "ደጊም ስቓይና ተወዲኡ እዩ!" ብምባል፡ ርሁው መጻኢ እናሓለመ፡ ብድሙቕ ፍሽኽታን ሓጐስን'ዩ ዝጽምብሎ ነይሩ። ግን እቲ ሽዑ ዝነበረ ተስፋን ሕልምን፡ ሕጂ ድሕሪ 33 ዓመት ናጽነት ከመይ ኣሎ? እዚ ጽሑፍ'ዚ፡ ንትጽቢትን ክውንነትን ጕዕዞ ሓድሽ ልደት ኤርትራን ውጽኢቱን ክግምግም እዩ።
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዋትስኣፕ ቻነል
ቢቢሲ ትግርኛ ኣብ ዩቱብ
ቪድዮ, ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ ኣሎ?
ኣፍ ደገ ባሕሪ ካብ መንጐ ዘይብለን ሃገራት ሓንቲ ዝዀነት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ብዛዕባ ዋንነትን ተጠቃምነትን ወደባት ክህቦ ዝጸንሐት መግለጺታት ብፍላይ ንሶማልያን ኤርትራን ከቘጥዕ ጸኒሑ'ዩ።
ትንታነ
ምስጢራውያን ድሮናት ብለይቲ ኣብ መላእ ሰማያት ኤውሮጳ ተራእየን፡ ክሳብ ክንደይከ ይጸልወና?
ሩሱያ ካብ 24 ለካቲት 2022 ጀሚራ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ካብ እትጅምር ንኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክን ብቐንዱ ንኣመሪካን ዓቢ ግድል እቲ ኵናት ሩስያ ኣንጻር ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ንኸይከውን ንዩክረይን ንገዛእ ርእሳ ንኽትከላኸል ምሕጋዝ'ዩ። ኣውሮጳ ብድሮን ንኸይጥቃዕ መንደቕ መከላኸሊ ጸረ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምህናጽ ሓደ ነገር'ዩ፡ ነቲ እቲ ድሮናት ዝብገሳሉ ምጥቃዕ ካልእ ኣዝዩ ዝተፈለየ ነገር'ዩ። ኣውሮጳ ግን ምርጫኣ ዘነጸረት ትመስል፡ ሕጂ ኣብ ክንዲ ነቲ ዋልታ ነቲ ጭማራ ምጭማት'ዩ ሕርያኣ።
ቢቢሲ ካብ ትራምፕ ንዝቐረበሉ ጠለብ ካሕሳ ዝሃቦ ምላሽ እንታይ ይብል?
ቢቢሲ ፕረዝደንት ትራምፕ ብ06 ጥሪ 2021 ዝገበሮ መደረ ንሰነዳዊ ምድላው ፓናሮማ ቆሪፁ ዘላገበሉ መገዲ፡ ብወግዒ ይቕረታ ሓቲቱ፤ ንዝቐረበ ሕቶ ካሕሳ ግና ነፂግዎ።
ኣብ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ሓይልታት ወጻኢ ብዓል መን እዮም?
ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዳዕመ-ሰሪዕ ነታ ን18 ኣዋርሕ ተኸርዲና ዝጸንሐት ኣል-ፋሽር ድሕሪ ምቍጽጻሩ ፈጺሙዎ ብዝተባህለ "ጨፍጫፍ" ህልቂት ናይቲ ኲናት ክሳዕ ክንደይ ሰፊሕ ምዃኑ ዘርኣየ እዩ። እዚ ጽሑፍ ድማ ኣብቲ ኣብ ዓለም ዝዓበየ ሰብኣዊ ቅልውላው ምዃኑ ዝተነግረሉ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ናይ ግዳም ሓይልታት ብዓል መን ምዃኖም ዘብርህ እዩ።
ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ፡ ክሳብ ሕጂ መን እንታይ ኢሉ?
ብፍላይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ወተሃደራዊ ኣዘዝቲን ዲፕሎማሰኛታትን እታ ሃገር ዝወጸ ቃላት ነቲ ድምጽታት ናብ ቅሉዕ ናይ ዋንነት ሕቶን ምጕትን ኣስጊርዎ ይርከብ።ብሰንኪ'ዚ ኣብ መንጎ ኣስመራን ኣዲስ ኣበባን ተፈጢሩ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ወጥሪ ናብ ዝኸፍአ ምትፍናን ይዓርግ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ናይጀርያ፡ ከምቲ ትራምፕ ዝብሎ ክርስትያናት ይቕተሉ ኣለዉ ድዮም?
ኣብ ዋሽንግተን ዝርከቡ ጐስጐስትን ፖለቲከኛታትን ንኣዋርሕ፡ እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ናይጀርያ ንዝርከቡ ክርስትያናት ብስርዓት ዒላማ ይገብሩ ነይሮም ክብሉ ጸኒሖም እዮም። ቢቢሲ ግን ገለ ካብቲ ነዚ መበገሲ ዝዀኑ መረዳእታታት ኣብ ከምዚ ዓይነት መደምደምታ ንምርግጋጽ ኣጸጋሚ ምዃኑ ረኺቡ ኣሎ።
ማምዳኒ፡ ከንቲባ ኒውዮርክ ኰይኑ ዝተመርጸ ኣፍሪቃ ዝመበቈሉ ኣስላማይ፡ እንታይ ይፅበዮ?
ሓድሽ ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኰይኑ ዝተመርፀ ዞህራን ማምዳኒ ብብዙሕ መዳይ ፍሉይ እዩ። ካብ 1892 ጀሚሩ፡ ብዕድመ ዝነኣሰ ከንቲባ እታ ከተማ፡ ኣስላማይን ኣብ ኣፍሪቃ ዝተወልደ ፈላማይ ከንቲባን ክኸውን እዩ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ፡ ኣፍሪቃ - 'ዓውደ ዝምታን ምትእትታውን' ህዝባ 'ኣብ ዘመናዊ ባርነት'
እቲ ፕረዚደንት ንዕላማ ዑደቱ ምስ መራሒ እታ ሃገር ዓብዱልፈታሕ ኣልሲሲ ዘካየዶ ዝርርባት፡ ሓድሽ ዓቢይ ሙዝየም እታ ሃገር፡ ጉዳያት ቀይሕ ባሕሪን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ'ውን ኣህጉር ኣፍሪቃን ሕብረት ኣፍሪቃን ተዛመድቲ ዛዕባታትን ኣመልኪቱ ንዝቕረበሉ ሕቶ ምላሽ ሂቡ።
ሱዳን፡ ሕሜቲ ብኸመይ'ዩ ካብ ተራ ሸቃጥ ገመል ክሳብ ፍርቂ ሃገር ዝተቘጻጸረ ጸላዊ ሰብ ኰይኑ?
ብሕሜቲ ዝፍለጥ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ኣብ ፖለቲካዊ መድረኽ ሱዳን ከም ዓብላሊ ባእታ ኰይኑ ተቐልቂሉ፣ እቲ ንሱ ዝመርሖ ብዳዕመ-ሰሪዕ ዝፍለጥ ንኡስ ወተሃደራዊ ሓይሊ ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ድማ ፍርቂ ክፋል እታ ሃገር ተቘጻጺሩ ኣሎ።
ተሳዒሩ ዘይፈልጥ 92 ዝዕድመኡ ፕረዚደንት ካሜሩን
ፕረዚደንት ፖል ቢያ እዛ ሻምነይቲ እብረኡ ከምተን ዝሓለፋ ከምዘይትዀነሉ እቲ ድሮ ኣብ መላእ እታ ሃገር ክጐሃሃር ጀሚሩ ዘሎ ተቓውሞታት ምልክታት ይህብ ኣሎ።ኣብ 1982 ስልጣን ዝሓዘ ፖል፡ ነዛ ሕጂ ተዓዊቱላ ዘሎ ሻምነይቲ እብረ ዕድመ ሂብዎ እንተወዲእዋ ናብ 100 ዓመት'ዩ ክገማገም።
እስራኤል ኣንጻር ሓማስ ተለዓዕሎም ዘላ ዕጡቓት ጕጅለታት ቓዛ
እዚ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ተኣፋፍነት ውሽጣዊ ጸጥታ ቓዛን ምቕልቃል ንሓማስ ዝቃወሙ ብእስራኤል ዝድገፉ ዕጡቓት ጕጅለታትን ኣግሂዱ'ሎ።
ዕላማ ትራምፕን ሲኣይኤን - ንለውጢ ስርዓትዶ ሃድን ነጋዶ ዕጸ-ፋርስ?
ንዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣመሪካ ኣብ ባሕሪ ካሪብያን ነፈርቲ ውግእ፡ መራኽብ ውግእን፡ ፍሉያት ኣባላት ሓይሊ ባሕሪ፡ ድሮናትን ንስለያ ዘገልግላ ነፈርቲን ኣዋፊራ ትርከብ።ኣመሪካ ኣብዚ ዞባ ክንድ'ዚ ዝኣክል ዓቕሚ ሰራዊት ከተዋፍር ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት ዓመታት እዚ ናይ ፈለማ'ዩ።
ሱዳን፡ ጀነራል ሕሜቲ ንጐረባብቲ ሃገራት እንታይ ኢሉ ኣጠንቂቑ?
ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ (ሕሜቲ)፡ ሰራዊት ሱዳን ብኣየር ንዘካይዶ ስርሒታት ዘገልግል ዝዀነ ኣብዚ ዞባ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከጥቅዕ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።
ኣዘራረብቲ ዛዕባታት
ወጻኢታት ምክልኻል ምብዛሕ፡ ንክሊማ ብኸመይ ይጸልዎ?
ክሊማ ዓቢ ስግኣት ድሕነት ኣብ ዝዀነሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሓይልታት ምክልኻል፡ ሃገራት ዳግማይ ብህጹጽ ምዕጣቕ ህጹጽ ከም ዘድሊ የጠንቅቑ ኣለዉ። ልቀት ካርቦን ምክልለል እናወሰኸ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
ምኒስተር ጌድዮን፡ ኤርትራ ካብ 'ግጉይ ፖሊሲኣ' ክትቍጠብ ንማሕበረሰብ ዓለም ጸዊዑ
ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ጌድዮን ጢሞቴስ፡ ኤርትራ ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ዘይምርግጋእ ካብ ዘኸትል ንጥፈታት ክትቍጠብ፣ ከምኡ'ውን ምስ ዞባዊ ሰላምን ውህደትን ዝሳነ ሃናጺ መንገዲ ክትክተል ክደፋፍኡዋ ንማሕበረሰብ ዓለም ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኢትዮጵያ፡ ትካል ሚድሮክ ብ'ምዝመዛ ህጻናት'ን 'ግዱድ ሽቕለት'ን ስለምንታይ'ዩ ዘይሕተት?
መርመርቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ መጀመርታ 2017 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዘጋጠሞም ነገር ዘይተጸበይዎ'ዩ ነይሩ። እቶም መርመርቲ ነቶም ኣብቲ ሕርሻ ተኣኪቦም ዝረኣይዎም ሰባት፡ ካበይን ብኸመይን ከምዝመጹ ሓተትዎም።
'ቀይሕ ባሕሪ ንዅለን ሃገራትን ህዝብታትን ዓለም ዘገልግል ክኸውን ኣለዎ' - ፕረዚደንት ኢሳይያስ
ኣብ ወሽመጥ ዓደን "ዘሻቕል" ኩነታት ይፍጠር ከምዘሎ ዝጠቐሰ ፕረዚደንት ኤርትራ፡ ንኲናት ሓድሕድ ሱዳን ንምፍታሕ ብግብጺ ዝተወስደ ተበግሶ "ዕንቅፋት ኣጋጢሙዎ" ብምባል እቲ ኩነታት ብምትእትታው ሓይልታት ወጻኢ ከምዝተሓላለኸ ኣብሪሁ። ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ጸግዒ ሰራዊት ሱዳን ከምዝወሰደት ይፍለጥ።
'ስራሕና ምቕታል ጥራይ እዩ' ኣብ ሱዳን ጨካናት ምሊሻታት ብኸመይ ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸሙ
ኣቡ ሉሉ ንሓደ ዝተወገአ ሰብ ክቐትል ኣብ ዝዳለወሉ ዝነበረ እዋን፡ ሓደ ወተሃደር ዳዕመ ስሪዕ ክምሕሮ ይልምኖ፡ እቲ ተወጊኡ ዝነበረ ሰብ'ውን ካብ ኣቡ ሉሉ ምሕረት ንምርካብ "እፈልጠካ እየ። ቅድሚ ገለ መዓልታትኮ ጸዊዐካ ነይረ" ኢሉ ይምሕጸኖ። ኣቡ ሉሉ ግን ንልመና እቲ ውጉእን ንኣማላድነት እቲ ኣባሉን ዕሽሽ ብምባል "ዝኾነ ምሕረት ኣይክገብርን'የ፡ ስራሕና ምቕታል ጥራይ'ዩ" ድሕሪ ምባል ናብቲ ናይ ሲቪል ክዳን ገይሩ ዝልምኖ ዝነበረ ውጉእ ብምንጽጻር ኣድራጋ ጠያይት ቶኲሱ እናቐተሎ ይርአ።
ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባ ኣፍደገ ባሕሪ ዝበልዎ ሓድሽ መግለጺ
ሓለቓ ጠቕላሊ ስታፍ ሰራዊት ኢትዮጵያ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ "ኢትዮጵያ ኣፍደገ ባሕሪ ክትውንን እያ፤ 2 ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ [ኤርትራ] ነታ ብዝሒ ህዝባ ናብ 200 ሚልዮን ገጹ ዝኸይድ ዘሎ ሃገር ባሕሪ ክትከልኣ መጐታዊ ኣይኰነን" ክብል ብ25 ጥቅምቲ ተዛሪቡ።
ኣብ ኤርትራ ተኣሲሮም ብዛዕባ ዘለዉ ሽዱሽተ ስሪላንካውያን ዛጊት እንታይ ንፈልጥ?
ስሪላንካ፡ ብ7 ሕዳር 2024 ናብ ግዝኣታዊ ማያት ኤርትራ ጥሒሰን ብምእታወን ብኤርትራ ኣብ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽብ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዜጋታታ ንምፍታሕ ዝገበረቶ ጻዕሪ ከም ዘሰመረላ 'ዘ ኣይላንድ' ዝተባህለት ማዕከን ዜና ሓቢራ።
ስልጣንን ልዕልና ቤተሰብን ፕረዝዳንት ሙሴቪኒ ዝሕሉ ፍሉይ ሓይሊ
ኣባላት እዚ ፍሉይ ሓይሊ ዩጋንዳ፡ ገዘፍቲ ብረት ዓጢቘም፡ ገጾም ተሸፊኖም ኣብ ጐደናታት እታ ሃገር ይንቀሳቐሱ። እዚ እዚ፡ ፍሉይ ወተሃደራዊ ክንፊ ዩጋንዳ እዩ። ቀንዲ ልኡኽቱኡ ድማ፡ ንወዲ 81 ዓመት ፕረዚደንት ዩዌሪ ሙሴቪንን ቤተሰኑን ምሕላው ከም ዝዀነ ይእመን።
ካብ መናቱ ደቃ ንሓዲአን ክትመርጽ ዝተገደደት ኣደ
ሱዳን ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዉ ዝኸፍኡ ሰብኣዊ ህጹጽ ኩነታት ዘጋጠመን ሃገራት ሓንቲ እያ። ብመሰረት ጸብጻብ ሕቡራት ሃገራት፡ ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ዝዕድሚኦም ሰለስተ ሚልዮን ህጻናት ብጽኑዕ ሕጽረት መግቢ ተጠቒዖም ኣለው።
'ተመሪቓ ንፍረ ክትበቕዕ ዝጽበያ ጓለይ ተመንዚዐ'
እታ ግዳይ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን 28 መስከረም 2018 ዓ.ም [ግ]፡ ብኣቈጻጸራ ሰዓት ኢትዮጵያ ናይ ምሸት ከባቢ ሰዓት ሓደ [7፡00 ምብራቕ ኣፍሪቃ]፡ ቴሌፎን ከተፀግን ኢላ ካብ ገዝኣ ምስ ወጽአት፡ መጥቃዕቲ ተፈጺሙዋ ኣብ መገዲ ወዲቓ ተረኺባ።
ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ምንጻፍ ተቐቢራ ዝተረስዐት ኮተቴ
ካረን ፕራይስ ኣብ 1981 ክትጠፍእ እንከላ ጓል 15 ዓመት ጥራይ እያ ነይራ። ኽልተ ሰራሕተኛታት ህንጸት ሃንደበት ኣስክሬና እንተዘይረኽቡዎ ነይሮም ክኣ፡ ፈጺማ ኣይተምተረኸበትን፤ ምኽንያቱ ዝደልያ ሰብ ስለ ዘይነበረ።
'ኲናት ዝውልዕ' መግለጺ ፕረዚደንት ኢትዮጵያን ግብረመልሲ ኤርትራን
ፕረዚደንት ታየ ኣጽቀ ስላሰ ንፓርላማ እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ናይ መኽፈቲ መደረ፡ "ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን እትርከብ ሃገር እያ። ናይ መጻኢ ዕድላ ድማ ምስ ክልቲኡ ማያት ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ። ምኒስተር ዜና የማነ ገብረመስቀል ብሰሉስ ምሸት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቲ ብወገን ኢትዮጵያ ዝተዋህበ መግለጺ ሓድሽ ግጭት ክውልዕ ዝኽእል'ዩ ክብል ነቒፉ።













![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)


































![ፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮ [ጸጋም] ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ [የማን]](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/240/cpsprodpb/2ccd/live/0aed6580-b039-11f0-ba75-093eca1ac29b.png.webp)































